ካብ ወልፊ ዘምለጡ ሰባት ብሉጽ ተመኩሮታት ኣለዎም። ነቲ ዝዛረብዎ ዘለዉ ይፈልጥዎ እዮም። እቶም ወለንታዊ ናይ ወልፊ ኣማኸርቲ ናይ Freundeskreis Frankfurt & Offenbach ቅድም ውሉፋት ዝነበሩ ሰባት ኮይኖም ነዚ ዓይነት ስራሕ’ዚ ዝኸውን መረጋገጺ ወረቐት ንምሓዝ ዝሰልጠኑ እዮም።
እቲ Freundeskreis Frankfurt & Offenbach ማሕበር ናይ ደገፍ ጒጅለታት እዩ ምስቲ Evangelische Suchtberatung (ሉተራዊ ምኽሪ ብዛዕባ ወልፊ) ከኣ ብምትሕብባር ይሰርሕ። ናይቶም ናይ Freundeskreis ናይ ደገፍ ጒጅለታት ደገፍ ኣብ ውልቃዊ ዝምድናታት ዝምርኮስ እዩ። ኣባላት ጒጅለ ንኣኻ/ኺ ከም ምሉእ ሰብ ክርእዩኻ/ኺ እዮም።
እቶም ናይ ደገፍ ጒጅለታት ናይቲ Freundeskreis Frankfurt & Offenbach ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ብዘካፍሉ ወለንተኛታት ይምርሑ።
ክፉት ምኽርታት ብዝሓወዩ ናይ ቅድም ውሉፋት
ክፉት ምኽሪ ብወለንተኛታት ናይ ወልፊ ኣማኸርቲ ነፍስ ወከፍ ሰሉስ ካብ 5:30 ክሳብ 6:30 ድ.ቀ Alte Backstube Café, Dominikanergasse 7።
ዕለታት፡ ቦታታትን ዘተኩርሎም መዳያትን ናይቶም ናይ ወልፊ ናይ ደገፍ ጒጅለታት Freundeskreis Frankfurt & Offenbach፥
ትረኽብዎም ሰባት