ናይ ወልፊ ናይ ደገፍ ጒጅለ “Freundeskreis Frankfurt & Offenbach” (ፍራንክፈርት & Offenbach ዓንኬል ኣዕሩኽ)

እቲ Freundeskreis ናይ ደገፍ ጒጅለ ንኽልቲኦም ነቶም ወልፊ ዘለዎም ሰባትን ንስድራቤታቶምን ሓገዝ የቕርብ። ነፍስ ወከፍ ናይ ወልፊ ጸገማቱ ክፈትሕ ዝደሊ ሰብ ንኽመጽእ ማዕጾ ርሑው እዩ።

ካብ ወልፊ ዘምለጡ ሰባት ብሉጽ ተመኩሮታት ኣለዎም። ነቲ ዝዛረብዎ ዘለዉ ይፈልጥዎ እዮም። እቶም ወለንታዊ ናይ ወልፊ ኣማኸርቲ ናይ Freundeskreis Frankfurt & Offenbach ቅድም ውሉፋት ዝነበሩ ሰባት ኮይኖም ነዚ ዓይነት ስራሕ’ዚ ዝኸውን መረጋገጺ ወረቐት ንምሓዝ ዝሰልጠኑ እዮም።

እቲ Freundeskreis Frankfurt & Offenbach ማሕበር ናይ ደገፍ ጒጅለታት እዩ ምስቲ Evangelische Suchtberatung (ሉተራዊ ምኽሪ ብዛዕባ ወልፊ) ከኣ ብምትሕብባር ይሰርሕ። ናይቶም ናይ Freundeskreis ናይ ደገፍ ጒጅለታት ደገፍ ኣብ ውልቃዊ ዝምድናታት ዝምርኮስ እዩ። ኣባላት ጒጅለ ንኣኻ/ኺ ከም ምሉእ ሰብ ክርእዩኻ/ኺ እዮም።

እቶም ናይ ደገፍ ጒጅለታት ናይቲ Freundeskreis Frankfurt & Offenbach ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ብዘካፍሉ ወለንተኛታት ይምርሑ።

ክፉት ምኽርታት ብዝሓወዩ ናይ ቅድም ውሉፋት

ክፉት ምኽሪ ብወለንተኛታት ናይ ወልፊ ኣማኸርቲ ነፍስ ወከፍ ሰሉስ ካብ 5:30 ክሳብ 6:30 ድ.ቀ Alte Backstube Café, Dominikanergasse 7።

ዕለታት፡ ቦታታትን ዘተኩርሎም መዳያትን ናይቶም ናይ ወልፊ ናይ ደገፍ ጒጅለታት Freundeskreis Frankfurt & Offenbach፥

ትረኽብዎም ሰባት

Monika Schiemann

Sekretariat & Anmeldung

Frankfurt

069 / 53 02 302

E-Mail

Martin Meding

Leitung

Frankfurt

069 / 53 02 301

E-Mail