ዝተኣዛዙ መድሃኒታት

ኣብ ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ጸገማት ተሕልፉ ኣለኹም ዲኹም፧ ዘለዉ ኣማራጺታት ንምድህሳስ ኣፈናዊ ምኽርታት ንህብ።

ነዞም ዝስዕቡ ንምርካብ ብጽሑና፥

  • ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ መድሃኒት
  • ዘይሻራዊ፡ ዘይፈርድ ግምገማ ብዛዕባ ናይ ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ተጥቃምነትኩም
  • ምኽርን ማዕዳን ንጸገም ዝፈጥር ተጠቃምነት ዝተኣዘዘ መድሃኒት፡ ከምኡ’ውን ካብ ናይቶም ዝተጸልዉ ሰባት ማሕበራዊ ኣከባቢ ዝመጹ ሰባት (ስድራቤት፡ ኣዕሩኽ፡ መሳርሕቲ/መማህርቲ)
  • ምኽርን ማዕዳን ንኣባላት ስድራቤት

ግምገማ ብዛዕባ ናይ ዝተኣዘዘ መድሃኒት ተጠቃምነትኩም ንህብ።

ድሕሪ እዚ ግምገማ’ዚ፡ ንብመርመራ ምልላይኩምን ኲነታትኩም ብዛዕባ ዘሎ ሓገዝ ትልሚ ንህበኩም። እዚ ንኣብነት ነዞም ዝስዕቡ ከጠቓልል ይኽእል፥ ምእላይ መርዚ/ናይ ምንስሓብ ፍወሳ ወይ ምቕያር መድሃኒት ምስ ዝሕክም ዘሎ ዶክተር ብምምኽኻር።

ንውልቀሰብ፡ መጻምድን ስድራቤትን ምኽሪ ንህብ።

ፍወሳ ወልፊ ሓፈሻውን ምሉእን ደገፍ ይጠልብ። በዚ ምኽንያት ምስ ናይ ምእላይ መርዚ ክሊኒካት፡ ክኢላዊ ክሊኒካት፡ ናይ ደገፍ ጒጅለታት፡ ናይ ዕዳ ኣማኸርቲ ከምኡ ድማ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብቐረባ ንሰርሕ።

ምስ 15 ናይ ወልፊ ናይ ደገፍ ጒጅለታት ንሰርሕ። እዞም ናይ ደገፍ ጒጅለታት እዚኦም ከም ኣካል ናይቲ Freundeskreis Frankfurt (ፍራንክፈርት ማእከል ኣዕሩኽ) ዝተወደቡ እዮም። Freundeskreis Frankfurt ንኽሎም ናይ ዓይነታት ናይ ወልፊ ጸገማት ደገፍ ይህብ (ኣልኮላዊ መስተ፡ ዘይሕጋዊ ሓሽሽ፡ ቁማር፡ ዝተኣዘዙ መድሃኒታት፡ ጠባያዊ ወልፍታት)። ውሱን ኣተኲሮ ዘለዎም ናይ ደገፍ ጒጅለታት’ውን ኣለዉ፡ ንኣብነት ኣብ ደቀንስትዮ ወይ ንዝተጸለዉ ኣባላት ስድራቤታት ዘተኩሩ ጒጅለታት። ናብ ናይ ደገፍ ጒጅለ ክነመሓላልፈኩም ሕጉሳት ኢና።

ኣማኸርትና ካብ ዓውደ-ፍልጠታት ማሕበራዊ ስነ-ምምህርና፡ ማሕበራዊ ስራሕ ከምኡ’ውን ስነ-ኣእምሮ ዝመጹ ክኢላታት እዮም።

ምኽርታት ወለንታዊ ከምኡ ድማ ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም። ክሎም ምኽርታት ምስጢራውያን እዮም። ከም ኣድላይነቱ ኣስተርጎምቲ ኣለዉ።

ትረኽብዎም ሰባት

Monika Schiemann

Sekretariat & Anmeldung

Frankfurt

069 / 53 02 302

E-Mail

Katrin Werland

Beratung & Therapie

Frankfurt

069 / 53 02 305

E-Mail

Martin Meding

Leitung

Frankfurt

069 / 53 02 301

E-Mail

Anzhelina Blum

Beratung & Therapie

Frankfurt

069 / 53 02 303

E-Mail