ዝርከቡ ፍወሳታት

ንሰባት ብዘይ ኣልኮል ንምንባር ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፍወሳ ኣማራጺታት ኣለዉ። ነዞም ፍወሳታት እዚኦም ናይ ምንስሓብ ፍወሳታት ኢልና ንገልጾም።

ምሕካም እቲ ወልፊ

ኣብ ናይ ምኽሪ ብዛዕባ ወልፊ ማእከልና ናይ ተመላላሲ ተሓካሚ ናይ ምንስሓብ ፍወሳ ክተካይዱ ትኽእሉ።

እቶም ወጻኢታት/ክፍሊታት ናይ ምስንሓብ ፍወሳ ብናይ ጡረታ መድሕንኩም ወይ ናይ ጥዕና ቅሙጥ ገንዘብኩም ይሽፈኑ ( እንተድኣ ግላዊ መድሕን ዘለኩም ኮይንኩም እቲ ኲነት ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል)።

እንተድኣ ኣብ ውሽጢ ሕክምና ኮይንካ ትሕከመሉ ናይ ምንስሓብ ፍወሳ ወዲእኩም ኣለኹም፡ ተወሳኺ ናይ ተመላላሲ ተሓካሚ ፍወሳ ካባና ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም (ናይ ድሕረ ኣብ ውሽጢ ሕክምና ናይ ምንስሓብ ፍወሳ ወይ ተኸታታሊ)።