ኣፈናዊ ዳህሳሳዊ ምኽሪ

ግምገማ ብዛዕባ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኣህላኽነትኩም ንህበኩም።

ድህሪ እዚ ግምገማ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኣህላኽነትኩም፡ ትልሚ ናይ ዘሎ ሓገዝ ንውልቃዊ ኲነትኩም ንህበኩም። እዚ፡ ንኣብነት፡ ናይ ምንስሓብ ፍወሳ ወይ ቊጽጽር ዝግበረሉ ምስታይ ክኸውን ይኽእል።

ንውልቀሰብ፡ መጻምድን ስድራቤትን ምኽሪ ንህብ።

ፍወሳ ወልፊ ሓፈሻውን ምሉእን ደገፍ ይጠልብ። በዚ ምኽንያት ምስ ናይ ምእላይ መርዚ ክሊኒካት፡ ክኢላዊ ክሊኒካት፡ ናይ ደገፍ ጒጅለታት፡ ናይ ዕዳ ኣማኸርቲ ከምኡ ድማ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብቐረባ ንሰርሕ።

ምሕካም እቲ ወልፊ

ምስ 15 ናይ ደገፍ ጒጅለታት ብተሓባባርነት ንሰርሕ። እዞም ናይ ደገፍ ጒጅለታት እዚኦም ከም ኣካል ናይቲ Freundeskreis Frankfurt (ፍራንክፈርት ማእከል ኣኦሩኽ) ዝተወደቡ እዮም። Freundeskreis Frankfurt ንኽሎም ዓይነታት ናይ ወልፊ ጸገማ ደገፍ ይህቡ (ኣልኮላዊ መስተ፡ ዘይሕጋዊ ሓሽሻት፡ ቁማር፡ ጠባያዊ ወልፍታት)። እዚኦም ውሱን ኣተኩሮ ዘለዎም ናይ ደፍ ጒጅለታት’ውን እዮም፡ ንኣብነት ጒጅለታት ደቀንስትዮ ወይ ዝተጸልዉ ኣባላት ስድራቤት። ናብ ናይ ደገፍ ጒጅለ ከነመሓላልፈኩም ሕጉሳት ኢና።

ኣማኸርትና ካብ ዓውደ-ፍልጠታት ማሕበራዊ ስነ-ምምህርና፡ ማሕበራዊ ስራሕን ስነ-ኣእምሮን ዝመጹ ክኢላታት እዮም።

ምኽርታት ወለንታዊ ከምኡ ድማ ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም። ክሎም ምኽርታት ምስጢራውያን እዮም። ከም ኣድላይነቱ ኣስተርጎምቲ ኣለዉ።

ትረኽብዎም ሰባት

Monika Schiemann

Sekretariat & Anmeldung

Frankfurt

069 / 53 02 302

E-Mail

Katrin Werland

Beratung & Therapie

Frankfurt

069 / 53 02 305

E-Mail

Martin Meding

Leitung

Frankfurt

069 / 53 02 301

E-Mail

Anzhelina Blum

Beratung & Therapie

Frankfurt

069 / 53 02 303

E-Mail