
እቲ Alte Backstube Café ተራ ካፈ ኣይኮነን። ኣብዚ፡ ኩባያ ሻሂ ወይ ቡን እናሰተኹም ንሰባት ኣብ ምሕዝነታዊ፡ ዝተዛነየን ካብ ኣልኮል ናጻ ዝኾነን ሃዋሁው ክትረኽብዎም ትኽእሉ። ኣብ እዋን ክፉት ምኽርታት ሓበሬታ ካብ ዝሓወዩ ውሉፋት ክትረኽቡ ወይ ኣብ ናይ ደገፍ ጒጅለታት ክትሳተፉ ትኽእሉ።
ናይ መስተ ጸገም ዘለዎም ወይ ካልእ ወልፍታት ዘለዎም ሰባት ነቲ Alte Backstube Café ንደገፍን ሓገዝን ብመልክዕ ምኽርታት፡ ዘተታትን ከምኡ ድማ ናይ ደገፍ ጒጅለታት ናይቲ Freundeskreis Frankfurt (ፍራንክፈርት ዓንኬል ኣዕሩኽ) ክበጽሕዎ ይኽእሉ።
እቲ Alte Backstube Café ናይ ምርኢታት፡ ናይ ሓበሬታ ኣኼባታትን ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታትን ቦታ እውን’ዩ። ዓበይቲ ናይ ስፖርት ኣጋጣሚታት (ንኣብነት ናይ ኲዕሶ እግሪ ናይ ዓለም ሻምፕዮና) ንምዕዛብ ዝኸውን ዓቢ ስክሪን’ውን ኣሎ። ናይ ጣውላ ኲዕሶ እግሪ ሰት ከምኡ’አን ናይ ቦርድ ጸወታታት’ውን ብናጻ ኣሎ።
እቲ ህሉው ፕሮግራም ናይ ንጥፈታት ኣብዚ ክርከብ ይኽእል፥
German
ናብቲ ካፈ ምጹ

ካብ ኣልኮል ናጻ ኮማዊ ማእከል
Café Alte Backstube
Dominikanergasse 7
60311 Frankfurt am Main
069 / 295 456
Alte Backstube ዝኽፈተሉ ሰዓታት፥
ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 5pm ክሳብ 9pm
ክፉት ምኽርታት ብዝሓወዩ ናይ ቅድም ውሉፋት፥
ወትሩ ሰሉስ፥ 5:30pm – 6:30pm
ትረኽብዎም ሰባት



